Gesamtlänge aller Episoden: 25 days 23 hours 15 minutes
Learn how to talk about commemorating Anzac Day, plus find out why it's important for all Australians. - ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ ከመይ ጌርኩም ከም እትዘራረቡ ተምሃሩ ፡ ከምኡ ውን ንኹሎም ኣውስትራሊያዊያን ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ፍለጡ ።
ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ፡ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደገኛ ናይ ቃልሲ ዞባ ከም ዘለዉ ብምጥንቃቕ ፡ ካብቲ ክግዕዙ ኣዚዙ ። ቀ/ ሚ ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ፡ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ናይ 'ዚ ዓሰርተ ዓመት ፡ ናይ ምክልኻል ወጻኢታታ ናብ 2.5 ሚኢታዊ ካብ ጅምላ ሃገራዊ እቶታ ክብ ከተብሎ ምዃና ገሊጹ ። ኣርሰናል ንቸልሲ 5ብ0 ብምስዓር ኣብ ዝርዝር ሰሌዳ ፕሪሜር ናብ ቀዳማይ ደረጃ ተመሊሳ
ህዝብታት ኣቦርጅንን ደሴታት ቶረስን ፡ ምስ መሬቶም ዓብዪ መንፈሳዊ ምትእስሳር ኣለዎም ፣ እዚ ከኣ ምስ መንነቶምን ምስ ዝምዒት ናተይነትን ምስ ኣገባብ ኣነባብራ ህይወቶምን ዝተሓሓዝ እዩ ። ነቲ መሰረት ህላወኦምን ሓላው ዛንታኦምን ዝዀነ መበቆል ዓዶም ድማ የመልክት ።
ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ብ ቢልዮነር ኤሎን ማስክ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (X ) ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተሓሓዝ ምስልታት ቪድዮ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክኣልዮ ተሓቲቱ። መስርሕ ምጥራዝ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ኣብዝመጽእ ወርሓት ሳመር ከምዝጅምር ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ገሊጹ። ዝተኸልከሉ መነቓቕሒ መድሃኒታት ወሲዳ ዝተረኸበት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ንሓሙሽተ ዓመት ካብ ውድድር ኣትሌቲክስ ተኣጊዳ።
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ እዋን ተወጊኣ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል ትሽዓተ ወርሒ ህጻን ካብ ሆስፒታል ወጺኣ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ነቲ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት እስራኤል ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ኢላ ክትትግብሮ ወጢናቶ ዘላ እገዳታት ከም ዝቃለሶ ገሊጹ ። ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኤርትራ ምስ ሕቡራት ሃገራት ልምዓታዊ ስምምዕ ፈሪሙ፡
ንሎሚ ሰኑይ 22 ሚይዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኮሚሽን ምርመራ ምጽናት ዓሌት ትግራይ ብመንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ረኺቡ። "ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ምስታፎም መርመራ ተረጋጊጹ ካብ ተጠቃዕቲ ናይቲ ሓበሬታ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዘለዉ ኣካላት ምዃኖም እውን ተሓቢሩ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሓጺር ጸብጻብ ኢፍጣር ኣብ መልበርን፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ እዋን ተወጊኣ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል ትሽዓተ ወርሒ ህጻን ካብ ሆስፒታል ወጺኣ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ነቲ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት እስራኤል ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ኢላ...
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ንልዕሊ 520 ሽሕ ህጻናትን ቈልዑን ክታበትን ምዕዳል ቫይታሚን ኤ’ን ክካየድ ምዃኑ፡ ገሊጹ፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኤርትራ ምስ ሕቡራት ሃገራት ልምዓታዊ ስምምዕ ፈሪሙ፡ "ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ምስታፎም መርመራ ተረጋጊጹ ካብ ተጠቃዕቲ ናይቲ ሓበሬታ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዘለዉ ኣካላት ምዃኖም እውን ተሓቢሩ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (22/04/2024) * ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ መንገዲ ኣትለቲክስ ዓለም ብደረጃ ፕላቲነም ዝስራዕ ማራቶን ለንደን ተኻይዱ ቀነኒሳ በቀለ ካልኣይ ወጺኡ፣ * ጉዳፍ ጸጋይን ለመቻ ግርማን ኣብ ውድድራት ዳያመንድ ሊግ ዣመን ተዓዊቶም፣ * ኣብ ቅድድማት ብሽግለታ ዙር ኣልፕስ ናይ ኢጣልያን ፕረዚንታዊ ዙር ቱርኪን ኤርትራውያንን ኢትጵያውያንን ተቐዳደምቲ ተሳቲፎም፣ * ብዘይካ ኣስቶን ቪላ ኩለን ጋንታታት ዓዲ እንግሊዝ ማለት ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ካብ ግጥማት ሻምፒዮንስ ሊግ ክለባት ኤውሮጳ ሊቨርፑልን ወስትሃምን ከኣ ካብ ግጥማት ዩሮፓ ሊግ ድሕሪ ምግላፈን ፈላሞት ግጥማት ፕሪምየር ሊግን ዋንጫ ኤፍኤ ካፕን ተኻይዶም፣
ንሎሚ ሰኑይ 18 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መንግስቲ ኣምሓራ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብተን ከባቢታት ዝቖመ ምምሕዳር ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ተገይሩ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ዝብል ዝርከቦ ጸብጻብ ሉኽና ኣሎ። ዝለዓለ ድሕነት ህጻናት ደቅኹም ንምሕላው ኣብ መኪና ኣቀማምጥኦም ከመይ ክኸውን ኣለዎ፧ ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና። ቅለ መሕትትን ካልእ ትሕዝቶታትንውን ሒዝና ተዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት [14 ሚያዝያ] ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክትፈዲ ትሓስብ ኣላ ። ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡...
ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት [14 ሚያዝያ] ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክትፈዲ ትሓስብ ኣላ ። ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ ካብን ናብን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ዝግበር ናይ ልዕሊ 270 በረራታት ተሰሪዙ ፡ ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምብጻሕ 610 ሚልዮን ዶላር ንምሃብ ተመባጺኦም።