SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast/sbs-tigrinya

Eine durchschnittliche Folge dieses Podcasts dauert 10m. Bisher sind 2609 Folge(n) erschienen. .

Gesamtlänge aller Episoden: 25 days 23 hours 15 minutes

subscribe
share






#60 Talking about commemorating | Anzac Day (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ ዝርርብ ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ (Anzac Day)


Learn how to talk about commemorating Anzac Day, plus find out why it's important for all Australians. - ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ ከመይ ጌርኩም ከም እትዘራረቡ ተምሃሩ ፡ ከምኡ ውን ንኹሎም ኣውስትራሊያዊያን ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ፍለጡ ።


share








   16m
 
 

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2024)


ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ፡ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደገኛ ናይ ቃልሲ ዞባ ከም ዘለዉ ብምጥንቃቕ ፡ ካብቲ ክግዕዙ ኣዚዙ ። ቀ/ ሚ ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ፡ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ናይ 'ዚ ዓሰርተ ዓመት ፡ ናይ ምክልኻል ወጻኢታታ ናብ 2.5 ሚኢታዊ ካብ ጅምላ ሃገራዊ እቶታ ክብ ከተብሎ ምዃና ገሊጹ ። ኣርሰናል ንቸልሲ 5ብ0 ብምስዓር ኣብ ዝርዝር ሰሌዳ ፕሪሜር ናብ ቀዳማይ ደረጃ ተመሊሳ


share








   4m
 
 

ደቀባትን ምስ መሬቶም ዘለዎም ዝምድናን (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)


ህዝብታት ኣቦርጅንን ደሴታት ቶረስን ፡ ምስ መሬቶም ዓብዪ መንፈሳዊ ምትእስሳር ኣለዎም ፣ እዚ ከኣ ምስ መንነቶምን ምስ ዝምዒት ናተይነትን ምስ ኣገባብ ኣነባብራ ህይወቶምን ዝተሓሓዝ እዩ ። ነቲ መሰረት ህላወኦምን ሓላው ዛንታኦምን ዝዀነ መበቆል ዓዶም ድማ የመልክት ።


share








   9m
 
 

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሚያዝያ 2024)


ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ብ ቢልዮነር ኤሎን ማስክ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (X ) ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተሓሓዝ ምስልታት ቪድዮ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክኣልዮ ተሓቲቱ። መስርሕ ምጥራዝ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ኣብዝመጽእ ወርሓት ሳመር ከምዝጅምር ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ገሊጹ። ዝተኸልከሉ መነቓቕሒ መድሃኒታት ወሲዳ ዝተረኸበት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ንሓሙሽተ ዓመት ካብ ውድድር ኣትሌቲክስ ተኣጊዳ።


share








   5m
 
 

ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2024)


ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ እዋን ተወጊኣ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል ትሽዓተ ወርሒ ህጻን ካብ ሆስፒታል ወጺኣ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ነቲ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት እስራኤል ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ኢላ ክትትግብሮ ወጢናቶ ዘላ እገዳታት ከም ዝቃለሶ ገሊጹ ። ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኤርትራ ምስ ሕቡራት ሃገራት ልምዓታዊ ስምምዕ ፈሪሙ፡


share








   13m
 
 

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2024)


ንሎሚ ሰኑይ 22 ሚይዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኮሚሽን ምርመራ ምጽናት ዓሌት ትግራይ ብመንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ረኺቡ። "ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ምስታፎም መርመራ ተረጋጊጹ ካብ ተጠቃዕቲ ናይቲ ሓበሬታ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዘለዉ ኣካላት ምዃኖም እውን ተሓቢሩ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሓጺር ጸብጻብ ኢፍጣር ኣብ መልበርን፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ እዋን ተወጊኣ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል ትሽዓተ ወርሒ ህጻን ካብ ሆስፒታል ወጺኣ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ነቲ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት እስራኤል ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ኢላ...


share








   49m
 
 

ኮሚሽን ምርመራ ምጽናት ዓሌት ትግራይ ብመንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ረኺቡ።


ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ንልዕሊ 520 ሽሕ ህጻናትን ቈልዑን ክታበትን ምዕዳል ቫይታሚን ኤ’ን ክካየድ ምዃኑ፡ ገሊጹ፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኤርትራ ምስ ሕቡራት ሃገራት ልምዓታዊ ስምምዕ ፈሪሙ፡ "ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ምስታፎም መርመራ ተረጋጊጹ ካብ ተጠቃዕቲ ናይቲ ሓበሬታ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዘለዉ ኣካላት ምዃኖም እውን ተሓቢሩ።


share








   7m
 
 

ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ማራቶን ለንደን ካልኣይ ወጺኡ፣ ኣብ ኢጣልያን ቱርኪን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይሳተፉ፣


ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (22/04/2024) * ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ መንገዲ ኣትለቲክስ ዓለም ብደረጃ ፕላቲነም ዝስራዕ ማራቶን ለንደን ተኻይዱ ቀነኒሳ በቀለ ካልኣይ ወጺኡ፣ * ጉዳፍ ጸጋይን ለመቻ ግርማን ኣብ ውድድራት ዳያመንድ ሊግ ዣመን ተዓዊቶም፣ * ኣብ ቅድድማት ብሽግለታ ዙር ኣልፕስ ናይ ኢጣልያን ፕረዚንታዊ ዙር ቱርኪን ኤርትራውያንን ኢትጵያውያንን ተቐዳደምቲ ተሳቲፎም፣ * ብዘይካ ኣስቶን ቪላ ኩለን ጋንታታት ዓዲ እንግሊዝ ማለት ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ካብ ግጥማት ሻምፒዮንስ ሊግ ክለባት ኤውሮጳ ሊቨርፑልን ወስትሃምን ከኣ ካብ ግጥማት ዩሮፓ ሊግ ድሕሪ ምግላፈን ፈላሞት ግጥማት ፕሪምየር ሊግን ዋንጫ ኤፍኤ ካፕን ተኻይዶም፣


share








   9m
 
 

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሚያዝያ 2024)


ንሎሚ ሰኑይ 18 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መንግስቲ ኣምሓራ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብተን ከባቢታት ዝቖመ ምምሕዳር ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ተገይሩ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ዝብል ዝርከቦ ጸብጻብ ሉኽና ኣሎ። ዝለዓለ ድሕነት ህጻናት ደቅኹም ንምሕላው ኣብ መኪና ኣቀማምጥኦም ከመይ ክኸውን ኣለዎ፧ ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና። ቅለ መሕትትን ካልእ ትሕዝቶታትንውን ሒዝና ተዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት [14 ሚያዝያ] ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክትፈዲ ትሓስብ ኣላ ። ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡...


share








   55m
 
 

ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሚያዝያ 2024)


ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት [14 ሚያዝያ] ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክትፈዲ ትሓስብ ኣላ ። ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ ካብን ናብን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ዝግበር ናይ ልዕሊ 270 በረራታት ተሰሪዙ ፡ ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምብጻሕ 610 ሚልዮን ዶላር ንምሃብ ተመባጺኦም።


share








   14m