SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast/sbs-tigrinya

subscribe
share






ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ጥሪ 2024)


ንሎሚ ሓሙስ 25 ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ስትራተጂካዊ ረብሓታት ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንኤርትራ ትማልን ሎሚን ብኸመይ ጸልይዋ፧ ካብ ፈለማ ሰብዓታት ኣትሒዙ ሲ ኣይ ኤ ምስ መራሕቲ ሰልፊ ናጽነት (በዓል ኢሳያስ ኣፈወርቂ) ንምርኻብ ዝደረኸ ረቛሒታት፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምዕራባውያን ንሰውራን መንግስቲ ኤርትራን ዝብሉን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተሓሓዙ ነጥብታት ኣልዒልና ምስ ምሁር ወተሃደራዊ ሳይንስ ዳንኤል ተስፋሚካኤል ጋርዛ ዝተገብረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት። ደቂ ሰብ ኣብ ኣፍ ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ቀሪቦም ከምዝርከቡ ዘመልክት "ሰዓት መዓልቲ ምጽኣት" ወይ "Doomsday Clock" መወዳእታ ደኢ ሰብ ኣብ 2024 ንፍርቂ ለይቲ 90 ካል ኢት ተሪፍዎ፡ ነዚ ዝገልጽ ትሕዝቶ ኣለና። ጸብጻብ ል ኡኽና ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ውን ግዜኦም ሓልዮም ዝቐርቡ መደባትና እዮም። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ እሱራት ዩክረይን ዝሓዘት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ ሩስያ ወዲቓ 74 ሰባት ሞይቶም። ኣብ ሲድኒ ፡ ኣዝዩ ተላባዒ ቫይረስ ዘለዎ ተጓዓዛይ ምስ መጸ ፡ ምስ ንፍዮ/measles ዝተሓሓዝ ናይ ጥዕና መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ። ስጳንያዊ ካርሎስ ኣልካርታዝ ካብ ናይ ኣውስትራሊያ ኦፐን ናይ ርብዒ ፍጻሜ ብ ጀርመናዊ ኣሌክሳንደር ዘቨረቭ ተሳዒሩ ናብ ዓዱ ተፋንዩ ።


fyyd: Podcast Search Engine
share








 January 25, 2024  55m