SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast/sbs-tigrinya

subscribe
share






ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሚያዝያ 2024)


ንሎሚ ሰኑይ 18 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መንግስቲ ኣምሓራ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብተን ከባቢታት ዝቖመ ምምሕዳር ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ተገይሩ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ዝብል ዝርከቦ ጸብጻብ ሉኽና ኣሎ። ዝለዓለ ድሕነት ህጻናት ደቅኹም ንምሕላው ኣብ መኪና ኣቀማምጥኦም ከመይ ክኸውን ኣለዎ፧ ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና። ቅለ መሕትትን ካልእ ትሕዝቶታትንውን ሒዝና ተዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት [14 ሚያዝያ] ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክትፈዲ ትሓስብ ኣላ ። ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ ካብን ናብን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ዝግበር ናይ ልዕሊ 270 በረራታት ተሰሪዙ ፡ ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምብጻሕ 610 ሚልዮን ዶላር ንምሃብ ተመባጺኦም።


fyyd: Podcast Search Engine
share








   55m