ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (22/04/2024) * ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ መንገዲ ኣትለቲክስ ዓለም ብደረጃ ፕላቲነም ዝስራዕ ማራቶን ለንደን ተኻይዱ ቀነኒሳ በቀለ ካልኣይ ወጺኡ፣ * ጉዳፍ ጸጋይን ለመቻ ግርማን ኣብ ውድድራት ዳያመንድ ሊግ ዣመን ተዓዊቶም፣ * ኣብ ቅድድማት ብሽግለታ ዙር ኣልፕስ ናይ ኢጣልያን ፕረዚንታዊ ዙር ቱርኪን ኤርትራውያንን ኢትጵያውያንን ተቐዳደምቲ ተሳቲፎም፣ * ብዘይካ ኣስቶን ቪላ ኩለን ጋንታታት ዓዲ እንግሊዝ ማለት ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ካብ ግጥማት ሻምፒዮንስ ሊግ ክለባት ኤውሮጳ ሊቨርፑልን ወስትሃምን ከኣ ካብ ግጥማት ዩሮፓ ሊግ ድሕሪ ምግላፈን ፈላሞት ግጥማት ፕሪምየር ሊግን ዋንጫ ኤፍኤ ካፕን ተኻይዶም፣