SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast/sbs-tigrinya

subscribe
share






ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሚያዝያ 2024)


ንሎሚ ሓሙስ 25 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝመጽእ ዉሑድ ዓመታት እኳ እንተኾኖ፡ ኣብ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ተፈላጥነት ዝረክብ ዘሎ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ዝኾነ ኣሮን ዑመር ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ኣለና፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ እምበር ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ሓቢሩ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና፡ ደቀባትን ምስ መሬቶም ዘለዎም ዝምድናን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዉግእ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ኣውስትራሊያ ይዝከሩ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ጋዛ ዝተረኽበ ናይ ብዙሃት ሬሳታት ጉድጓድ ፡ ብናጻ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ።


fyyd: Podcast Search Engine
share








   56m