SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast/sbs-tigrinya

subscribe
share






ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2024)


ንሎሚ ሰኑይ 29 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ካብቲ ኵሎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድምጾም ዚህቡሉ ዝጀመሩ ናይ ፈለማ ደሞክራስያዊ ምርጫ ፡ መበል 30 ዓመት ትጽምበል ኣላ ። እታ ሃገር ካልእ ምርጫ ንምግባር ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ግን ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድራር ዕለቶም ንምርካብ ኣብ ዝጽገምሉ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ነዚ ዝምልከት ሃጺር ጸብጻብ ኣለና ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ሕብረት ኣፍሪቃ መግለጺኡ ክእርም ዝጠልብ መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን በይና ዝሓረሰት ሓንቲ ኤርትራዊ ስደተኛ መንግስቲ ፖላንድ ካብ ዶብ ከም ዘይመለሳ ገሊፁ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ተዅሲ ደው ክብልን ረድኤት ከይተዓግተ ኽቐርብን ዝሃትት ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ክግበር ቀንዩ ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣውስትራሊያዊያን ብጾታዊ ጎነጽ ንዝፍጠር ዘሎ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ናብ ጎደናታት ወጺኦም ዊዒሎም ። ኣብ ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ካብ ዝጸንሑ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 15 ሽሕ ንዓዶም ተመሊሶም። ሓዲሽ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ብርጣኒያ ኣብ ኤርትራ ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተራኺቡ፡


fyyd: Podcast Search Engine
share








   53m