ኣውስትራሊያውያን ጽፉፍን ብቑዕን ዝኾነ ኣገልግሎት ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና ብምርካብ ካብ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ካብ ዘለዉ ህዝብታት ዉሑዳት ዕድለኛታት ዝኾኑ እዮም ። ብተወሳኺ ናይ ግሊ ሓለዋ ጥዕና ውሕስና ኢንሹራንስ ምኽፋል መማረጺ ኣሎ ፤ እዚ ኣማራጺ ናብ ሆስፒታላትን ክኢላታትን ከይድካ ኣገልገሎት ንምርካብ ዝሓጸረ ናይ ምጽባይ ዕድልን ኣማራጽታትን ዝህበካ እዩ ። 55 ካብ ሚእቲ ኣውስትራሊያውያን ናብ ምዉል ክንክን ጥዕና ወይ health fund, ክጽንበሩ ይመርጹ ፤ እዚ ምስ ኩነታትካ ዝሰማማዕ እንተ ኾይኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ጠቓሚ እዩ ።