SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast/sbs-tigrinya

subscribe
share






Embatkala: Ground Zero for Unhinged Power Abuse - Embatkala: Ground Zero for Unhinged Power Abuse


ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣብ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት እምባትካላ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ብመራኸብታት ብዙሓን ኤርትራ ተቓሊሑ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ዕላማ ናይቲ ካብ 17-19 መስከረም እተቓንዐ ኣኼባ፡ ምምሕያሽ ምምሕዳርን ምሕደራን ዝሕመረቱ ምእዘናን ስልጠናን ኣመሓደርትን ሓለፍትን ግንባር ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ዝርዝራት ናይቲ ኣኼባ ከም ወትሩ ንህዝቢ ብግሉጽ መንገዲ እንተ ዘይቀረበኳ፡ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ እተኸፈተ ኣፈናዊ እተበሃለሉ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣኼባ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ዝጀመረ ዳግመ-ውደባን ምደባን ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ታሪኽ ምምዛዝን ምእላይን ሰበ-ስልጣን ብኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ካብ እግሪ ተኽሉ ዕቱብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ምቍጽጻር ዘንገሰ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንውልቃዊ ናጽነት ዚኸውን ቦታ ኣይፈቐደን። 

- ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣብ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት እምባትካላ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ብመራኸብታት ብዙሓን ኤርትራ ተቓሊሑ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ዕላማ ናይቲ ካብ 17-19 መስከረም እተቓንዐ ኣኼባ፡ ምምሕያሽ ምምሕዳርን ምሕደራን ዝሕመረቱ ምእዘናን ስልጠናን ኣመሓደርትን ሓለፍትን ግንባር ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ዝርዝራት ናይቲ ኣኼባ ከም ወትሩ ንህዝቢ ብግሉጽ መንገዲ እንተ ዘይቀረበኳ፡ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ እተኸፈተ ኣፈናዊ እተበሃለሉ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣኼባ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ዝጀመረ ዳግመ-ውደባን ምደባን ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ታሪኽ ምምዛዝን ምእላይን ሰበ-ስልጣን ብኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ካብ እግሪ ተኽሉ ዕቱብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ምቍጽጻር ዘንገሰ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንውልቃዊ ናጽነት ዚኸውን ቦታ ኣይፈቐደን። 


fyyd: Podcast Search Engine
share








 October 24, 2013  8m