Gesamtlänge aller Episoden: 26 days 11 hours 54 minutes
ኮረፌ ኣብ ከባቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝውተር ባህላዊ መስተ እዩ። ኮረፌ እንታይ እዩ? ብኸመይከ ይዳሎ? ልኡኽና ናብ ከተማ ኮረም ገይሹ ዘዳለዎ ባህላዊ መደብ እዩ።
Interview with Hanan Idris -
ትሕቲ ዕድመ ከላ ተመርዕያ ትሕቲ ዕድመ ከላ ድማ ቆልዓ ወሊዳ እያ ናብ ኣውስትራሊያ ተሰዲዳ። ንኹሉ ዘጋጥማ ማሕለኻታት ሰጊራ ግና፡ ንሓሙሻይ ርእሳ ስራሕ ዝፈጥር ናይ ስነ ጽባቐ ስራሕ ንግዲ ኣማዕቢላ። ዛጊት ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝመጹ ብዙሓት ዓማዊል ኣጥርያ ኣላ። እታ ኣብ እዋን ንእስነታ ዝወለደታ ዓባይ ጓላውን ኣብ ስራሕ ትሕግዛያ፡ ብስነ-ጽባቐን ኣርትን ትመሃር ኣላ። ናይ ርሑቕ ጠመተ ሓናን ምስ ጓላ ነቲ ቢዝነስ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምብጻሕ ዘይሕለል ጻዕሪ እያ ትገብር ዘላ። ንዝርዝር ዕላል ምስ ሓናን እድሪስ ኣብዚ ተውቑ።
For new Australians securing accommodation is an integral part of the settlement process. Community groups across the country work alongside governments to help those most in need develop sustainable and effective solutions. But one of these solutions, public housing, is now harder to find...
ገዲም ሙዚቀኛን ስፖርተኛን ሲዒድ ኣደም ፡ ሓደ እዋን ብቕርጺ ኣካላቱ ዝበለጸ ጎበዝ ኣስመራ ኮይኑ ነይሩ እዩ። ሙዚቀኛን ደራፋይን ድማ እዩ። ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ህይወቱ ኣብ ስደት ዝመርሐ ናይ ሎሚ ጋሻና እዩ። ጥዑም ዕላሉ ከተስተማቕሩ ኣብዚ ጠዉቑ። -
ገዲም ሙዚቀኛን ስፖርተኛን ሲዒድ ኣደም ፡ ሓደ እዋን ብቕርጺ ኣካላቱ ዝበለጸ ጎበዝ ኣስመራ ኮይኑ ነይሩ እዩ። ሙዚቀኛን ደራፋይን ድማ እዩ። ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ህይወቱ ኣብ ስደት ዝመርሐ ናይ ሎሚ ጋሻና እዩ። ንጥዑም ዕላሉ ከተስተማቕሩ ኣብዚ ጠዉቑ።
ባሕቲ መስከረም፡ ኣብ ታሪኻ ናይ ኤርትራ፡ ቃልሲ ብዕጥቂ ዝጀመረላ ዕለት ብምዃና ብፍሉይ ትዝከር መዓልቲ እያ:: ነዚ ኣመልኪትና ካብቶም ቀዳሞት ተቓለስቲን ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ዝነበረን ነባሪ መልበርን ዝኾነ ተጋዳላይ መሓመድ ኑር ኣጀማምራን ኣማዓብላን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራን ብዛዕባ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ኣዕሊሉና ኣሎ :: -
ባሕቲ መስከረም፡ ኣብ ታሪኻ ናይ ኤርትራ፡ ቃልሲ ብዕጥቂ ዝጀመረላ ዕለት ብምዃና ብፍሉይ ትዝከር መዓልቲ እያ:: ነዚ ኣመልኪትና ካብቶም ቀዳሞት ተቓለስቲን ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ዝነበረን ነባሪ መልበርን ዝኾነ ተጋዳላይ መሓመድ ኑር ኣጀማምራን ኣማዓብላን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራን ብዛዕባ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ኣዕሊሉና ኣሎ ::
እዚ መደብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ሰማዕቲ ዓቢ መዛረቢ ዛዕባ ብዛዕባ ኮይኑ ዝቐነየ ዝቐርበሉ መደብ'ዩ። ንሎሚ "ባንዴራስ ተቓጺላ፡ እንታይ ደኣ ንበል!" ብዝብል ኣርእስቲ ኣማኒኤል ኤልያስ ዝሰደደልና ትሕዝቶ ኢና ከነቕርብ ብኸምዚ ከኣ ይጅምር፡ እዚ ናይ ባንዴራ ምቅጻል ፍጻመ ምስ ኣጋጠመ፡ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና? ብመሰረት ዝተዋህበ ናይዚ ቅነዚ ግብረ መልሲ ኽልተ ነገራት ተሓዋዊሱ ዘሎ ኾይኑ ይረኣየኒ። እቲ ሓደ ንምቅጻል ባንዴራ ብሓፈሽኡ ዚምልከት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልእ ከኣ ንሕጋውነት ባንዴራ ኤርትራ ዚምልከት እዩ። ነዚ ፈላሊና ኽንርእዮ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ስለዚ፡ ነዛ ጽሕፍቲ ኣብዚ ኽልተ ነጥብታት ከፊለ ከቕርባ። -
እዚ መደብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ሰማዕቲ ዓቢ መዛረቢ ዛዕባ ብዛዕባ ኮይኑ ዝቐነየ ዝቐርበሉ መደብ'ዩ። ንሎሚ "ባንዴራስ ተቓጺላ፡...
ጉዳይ ወልቃይት ፀገም መንነት ዘይኮነስ አብ ሞንጎ ተጋሩ ዘሎ ሕመቕ ዝፈጠሮ ፀገም እዩ፡፡ሕቶ መንነት እንተ ዝከውን አብ 1960ታት 1970ታት ካብ በገ ምድር ተበጊሱ ናብ ህወሓት ተፀምቢሩ አይምተቓለሰን፡፡ እቲ አብ ዝሓለፈ ቅንያት ንዝተወለዐ ግጭት ምክንያት ዝኮነ ኮለኔል ደመቀ እውን ምስ ህወሓት ንደርጊ አይምተቓለሰን፡፡ አብቲ እዋን ምስ ዝነበረ ናይ አምሓራ ውድብ ብኣዴን ምተቓለሰ ነይሩ፡፡ ጉዳይ ወልቃይት ጉዳይ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፡ ስእነት ዲሞክራሲ እዩ፡፡ እዚ ፀገም ተጋሩ ብሓባር ምስ ዝዝትዩ እዩ ዝፍታሕ፡፡ዘፀዐት ኣናንያ ሴቭ ዓድና ን ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ካብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ዝተወሰደ፡፡ት ኣናንያ ሴቭ ዓድና ን ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ካብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ዝተወሰደ፡፡
- ጉዳይ ወልቃይት ፀገም መንነት ዘይኮነስ አብ ሞንጎ ተጋሩ ዘሎ ሕመቕ ዝፈጠሮ ፀገም...ኣብ ፐርዝ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ብዘካየድዎ ዘይሕለል ጻዕሪ ደብረ አሚን ተክለሃይማኖት ዝበሃል ኣብ ኣብ ልዕሊ 33 ሜትር ስቈር ዝስፍሓቱ መሬት ዝተደኮነ ቤተክርስትያን ኣመሪቖም፡ ነቲ ስነስር ዓት ዝምልከት ጸብጻብ ድማ እንሆ። -
ኣብ ፐርዝ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ብዘካየድዎ ዘይሕለል ጻዕሪ ደብረ አሚን ተክለሃይማኖት ዝበሃል ኣብ ኣብ ልዕሊ 33 ሺሕ ሜትር ስኬር ዝስፍሓቱ መሬት ዝተደኮነ ቤተክርስትያን ኣመሪቖም፡ ነቲ ስነስር ዓት ዝምልከት ጸብጻብ ድማ እንሆ።
ብዛዕባ መግዛእቲ ብሳልሳይ ዓለማት፡ ብዛዕባ ቃልሲ ኤርትራን ሲንጋፖርን መጽናዕቲ ዝገበረ ተመራማርን መምህር ታሪኽ ዶክተር ዓወት ተወልደ ናይ ዝገበርናዮ ምሉእ ቃለ መሕትት፡(Third world colonialism and strategies of Liberation: Eritrea and East Timor compared)
-ብዛዕባ መግዛእቲ ብሳልሳይ ዓለማት፡ ብዛዕባ ቃልሲ ኤርትራን ምብራቕ ቲሞርን መጽናዕቲ ዝገበረ ተመራማርን መምህር ታሪኽ ዶክተር ዓወት ተወልደ ናይ ዝገበርናዮ ምሉእ ቃለ መሕትት፡(Third world colonialism and strategies of Liberation: Eritrea and East Timor compared)