Gesamtlänge aller Episoden: 26 days 5 hours
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ተዅሲ ደው ክብልን ረድኤት ከይተዓግተ ኽቐርብን ዝሃትት ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ክግበር ቀንዩ ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣውስትራሊያዊያን ብጾታዊ ጎነጽ ንዝፍጠር ዘሎ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ናብ ጎደናታት ወጺኦም ዊዒሎም ። ኣብ ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ካብ ዝጸንሑ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 15 ሽሕ ንዓዶም ተመሊሶም። ሓዲሽ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ብርጣኒያ ኣብ ኤርትራ ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተራኺቡ፡
ኣብ ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ካብ ዝጸንሑ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 15 ሽሕ ንዓዶም ተመሊሶም። ሓዲሽ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ብርጣኒያ ኣብ ኤርትራ ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተራኺቡ፡ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ሕብረት ኣፍሪቃ መግለጺኡ ክእርም ዝጠልብ መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን በይና ዝሓረሰት ሓንቲ ኤርትራዊ ስደተኛ መንግስቲ ፖላንድ ካብ ዶብ ከም ዘይመለሳ ገሊፁ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ካብቲ ኵሎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድምጾም ዚህቡሉ ዝጀመሩ ናይ ፈለማ ደሞክራስያዊ ምርጫ ፡ መበል 30 ዓመት ትጽምበል ኣላ ። እታ ሃገር ካልእ ምርጫ ንምግባር ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ግን ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድራር ዕለቶም ንምርካብ ኣብ ዝጽገምሉ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 1994 ኣትሒዛ ዝተጓዕዘቶ ጉዕዞ ኽሳብ ክንደይ ዕቤት ከም ዘርኣየት ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (29/04/2024) * ኣብ ከተማ ሱቾው፣ ቻይና፣ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ርክባት ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሰለሞን ባሬጋ ኣብ 5000 ሜ ተዓዊቱ፣ * ማራቶን ማድሪድ ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያውያን ምትኩ ታፋን ፍቅረ በቀለን ተመራሪሖም ቀዳማይን ካልኣይን ወጺኦም፣ * ኣብ ፕረዚደንታዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ቱርኪየ ኤርትራውያን መርሃዊ ቅዱስን መትከል ኢዮብን ሓያል ብቕዓቶም ብምምስካር ብሓፈሽኡ ካልኣይን ራብዓይን ወዲኦም፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ወቕቲ 2023/24 ናብ ምዝዛም ገጾም እናተቓረቡ ኣብ ዝመጽሉ ዘለዉ እዋን ሻምፒዮን መን ክትከውን'ያ ገና እንተዘይተፈልጠ'ኳ እታ ቀዳመይቲ ንታሕቲ ትምለስ ጋንታ ግን ተፈሊጣ፣
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዉግእ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ኣውስትራሊያ ይዝከሩ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ጋዛ ዝተረኽበ ናይ ብዙሃት ሬሳታት ጉድጓድ ፡ ብናጻ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣሮን ዑመር፡ ካብ ሱዳን ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝስደድ ዉሑድ ዓመታት ጥራይ እዩ ኣቚጺሩ ። እንተኾነ ካብ ዓድን ሱዳንን ኣትሒዙ ምኽሻን ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ በበይኑ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ቅልጡ ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ። ምስ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ኣሮን ዑመር ዝተገብረ ዕላል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
ንሎሚ ሓሙስ 25 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝመጽእ ዉሑድ ዓመታት እኳ እንተኾኖ፡ ኣብ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ተፈላጥነት ዝረክብ ዘሎ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ዝኾነ ኣሮን ዑመር ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ኣለና፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ እምበር ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ሓቢሩ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና፡ ደቀባትን ምስ መሬቶም ዘለዎም ዝምድናን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዉግእ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ኣውስትራሊያ...
ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደቡባዊ ትግራይ ዘጋጠመ ግጭት፡ ስሩዕ ሓይልታት ዝተሳተፍሉ ጐንጺ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ እምበር ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ሓቢሩ
Learn how to talk about commemorating Anzac Day, plus find out why it's important for all Australians. - ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ ከመይ ጌርኩም ከም እትዘራረቡ ተምሃሩ ፡ ከምኡ ውን ንኹሎም ኣውስትራሊያዊያን ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ፍለጡ ።
ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ፡ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደገኛ ናይ ቃልሲ ዞባ ከም ዘለዉ ብምጥንቃቕ ፡ ካብቲ ክግዕዙ ኣዚዙ ። ቀ/ ሚ ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ፡ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ናይ 'ዚ ዓሰርተ ዓመት ፡ ናይ ምክልኻል ወጻኢታታ ናብ 2.5 ሚኢታዊ ካብ ጅምላ ሃገራዊ እቶታ ክብ ከተብሎ ምዃና ገሊጹ ። ኣርሰናል ንቸልሲ 5ብ0 ብምስዓር ኣብ ዝርዝር ሰሌዳ ፕሪሜር ናብ ቀዳማይ ደረጃ ተመሊሳ