SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast/sbs-tigrinya

Eine durchschnittliche Folge dieses Podcasts dauert 10m. Bisher sind 2627 Folge(n) erschienen. Alle 0 Tage erscheint eine Folge dieses Podcasts.

Gesamtlänge aller Episoden: 26 days 5 hours

subscribe
share






ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29042024)


ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ተዅሲ ደው ክብልን ረድኤት ከይተዓግተ ኽቐርብን ዝሃትት ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ክግበር ቀንዩ ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣውስትራሊያዊያን ብጾታዊ ጎነጽ ንዝፍጠር ዘሎ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ናብ ጎደናታት ወጺኦም ዊዒሎም ። ኣብ ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ካብ ዝጸንሑ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 15 ሽሕ ንዓዶም ተመሊሶም። ሓዲሽ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ብርጣኒያ ኣብ ኤርትራ ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተራኺቡ፡


share








   15m
 
 

ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ሕብረት ኣፍሪቃ መግለጺኡ ክእርም ዝጠልብ መግለጺ ኣውጺኦም። (ጸብጻብ)


ኣብ ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ካብ ዝጸንሑ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 15 ሽሕ ንዓዶም ተመሊሶም። ሓዲሽ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ብርጣኒያ ኣብ ኤርትራ ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተራኺቡ፡ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ሕብረት ኣፍሪቃ መግለጺኡ ክእርም ዝጠልብ መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን በይና ዝሓረሰት ሓንቲ ኤርትራዊ ስደተኛ መንግስቲ ፖላንድ ካብ ዶብ ከም ዘይመለሳ ገሊፁ።


share








   7m
 
 

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 30 ዓመት ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ኣፓርታይድ


ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ካብቲ ኵሎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድምጾም ዚህቡሉ ዝጀመሩ ናይ ፈለማ ደሞክራስያዊ ምርጫ ፡ መበል 30 ዓመት ትጽምበል ኣላ ። እታ ሃገር ካልእ ምርጫ ንምግባር ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ግን ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድራር ዕለቶም ንምርካብ ኣብ ዝጽገምሉ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 1994 ኣትሒዛ ዝተጓዕዘቶ ጉዕዞ ኽሳብ ክንደይ ዕቤት ከም ዘርኣየት ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ ።


share








   5m
 
 

ኣብ ዙር ቱርኪየ መርሃዊ ቅዱስን መትከል ኢዮብን ካልኣይን ራብዓይን ወዲኦም፣ ሰሎሞን ባሬጋ ኣብ ቻይና ተዓዊቱ፣


ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (29/04/2024) * ኣብ ከተማ ሱቾው፣ ቻይና፣ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ርክባት ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሰለሞን ባሬጋ ኣብ 5000 ሜ ተዓዊቱ፣ * ማራቶን ማድሪድ ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያውያን ምትኩ ታፋን ፍቅረ በቀለን ተመራሪሖም ቀዳማይን ካልኣይን ወጺኦም፣ * ኣብ ፕረዚደንታዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ቱርኪየ ኤርትራውያን መርሃዊ ቅዱስን መትከል ኢዮብን ሓያል ብቕዓቶም ብምምስካር ብሓፈሽኡ ካልኣይን ራብዓይን ወዲኦም፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ወቕቲ 2023/24 ናብ ምዝዛም ገጾም እናተቓረቡ ኣብ ዝመጽሉ ዘለዉ እዋን ሻምፒዮን መን ክትከውን'ያ ገና እንተዘይተፈልጠ'ኳ እታ ቀዳመይቲ ንታሕቲ ትምለስ ጋንታ ግን ተፈሊጣ፣


share








   10m
 
 

ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሚያዝያ 2024)


ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዉግእ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ኣውስትራሊያ ይዝከሩ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ጋዛ ዝተረኽበ ናይ ብዙሃት ሬሳታት ጉድጓድ ፡ ብናጻ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ።


share








   16m
 
 

"ምስጢር ጥዑም ጸብሒ ኣብ ሽጉርትን ኮሚደረን’ዩ ዘሎ።" ከሻኒ ኣሮን ዑመር


ኣሮን ዑመር፡ ካብ ሱዳን ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝስደድ ዉሑድ ዓመታት ጥራይ እዩ ኣቚጺሩ ። እንተኾነ ካብ ዓድን ሱዳንን ኣትሒዙ ምኽሻን ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ በበይኑ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ቅልጡ ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ። ምስ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ኣሮን ዑመር ዝተገብረ ዕላል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።


share








   14m
 
 

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሚያዝያ 2024)


ንሎሚ ሓሙስ 25 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝመጽእ ዉሑድ ዓመታት እኳ እንተኾኖ፡ ኣብ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ተፈላጥነት ዝረክብ ዘሎ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ዝኾነ ኣሮን ዑመር ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ኣለና፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ እምበር ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ሓቢሩ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና፡ ደቀባትን ምስ መሬቶም ዘለዎም ዝምድናን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዉግእ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ኣውስትራሊያ...


share








   56m
 
 

ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም።


ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደቡባዊ ትግራይ ዘጋጠመ ግጭት፡ ስሩዕ ሓይልታት ዝተሳተፍሉ ጐንጺ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ እምበር ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ሓቢሩ


share








   9m
 
 

#60 Talking about commemorating | Anzac Day (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ ዝርርብ ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ (Anzac Day)


Learn how to talk about commemorating Anzac Day, plus find out why it's important for all Australians. - ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ ከመይ ጌርኩም ከም እትዘራረቡ ተምሃሩ ፡ ከምኡ ውን ንኹሎም ኣውስትራሊያዊያን ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ፍለጡ ።


share








   16m
 
 

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2024)


ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ፡ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደገኛ ናይ ቃልሲ ዞባ ከም ዘለዉ ብምጥንቃቕ ፡ ካብቲ ክግዕዙ ኣዚዙ ። ቀ/ ሚ ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ፡ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ናይ 'ዚ ዓሰርተ ዓመት ፡ ናይ ምክልኻል ወጻኢታታ ናብ 2.5 ሚኢታዊ ካብ ጅምላ ሃገራዊ እቶታ ክብ ከተብሎ ምዃና ገሊጹ ። ኣርሰናል ንቸልሲ 5ብ0 ብምስዓር ኣብ ዝርዝር ሰሌዳ ፕሪሜር ናብ ቀዳማይ ደረጃ ተመሊሳ


share








   4m