SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast/sbs-tigrinya

Eine durchschnittliche Folge dieses Podcasts dauert 10m. Bisher sind 2667 Folge(n) erschienen. .

Gesamtlänge aller Episoden: 26 days 15 hours 46 minutes

subscribe
share






ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ግንቦት 2024)


ንሎሚ ሓሙስ 9 ግንቦት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ጾመ ኣርብዓን ሓማማትን ክጾሙ ድሕሪ ምውራሕ ኣብዚ ቕነ በዓል ትንሳኤ የብዕሉ ኣለዉ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዋና ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ቆሞስ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ዝሃብዎ መልእኽቲ’ዩ ።ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሓዱሽ መግለጺ ዘርጊሑ ኣሎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሚልዮናት ነበርቲ ብሓደጋ ውሕጅ ኣንጸላልዩዎም ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ምስ U-S ዘለዎ ዝምድና ሓርፊፉ ይርከብ ዝብል ትሒምትሒም ከዋድቖ ፈቲኑ። ፖለቲከኛታት ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሲድኒ ዝርከብ ባይቶ ናይ ሓደ...


share








   54m
 
 

መንግስቲ ኤርትራ ሓዱሽ መግለጺ ዘርጊሑ። ጸብጻብ)


መንግስቲ ኤርትራ ሓዱሽ መግለጺ ዘርጊሑ ኣሎ። ዳግመ ህንፀት ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ንምስላጥ ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሚልዮናት ነበርቲ ብሓደጋ ውሕጅ ኣንጸላልዩዎም


share








   6m
 
 

MiniPod: I scream, you scream... | Pronunciation practice with Janice - ሓጻር ፖድካስት: ኣነ ይጭድር፣ ንስኹም ትጭድሩ... (I scream, you scream...) | ምልምማድ ኣደማምጻ ቃላት ምስ ጃኒስ ፒተርሰን


In this five-minute lesson you’ll improve your pronunciation by listening and following along with Janice Petersen. Learning objectives: Can pronounce /iː/ and /aɪ/ (sheep and eye) - ኣብ'ዚ ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣስተምህሮ ንህብብቲ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ኤስቢኤስ ጃኒስ ፒተርሰን ብምስማዕን ብምኽታልን ኣደማምጻና ከነመሓይሽ ንኽእል። ዕላማታት ናይ ሎሚ ኣስተምህሮ፣ ከመይ ጌርና ን I (ኣይ) (ንኣብነት በጊዕ 'ሺፕ' ክንብል እንከለና) ን aɪ (ኤኣይን) (ንኣብነት ዓይኒ 'ኣይ' ክንብል እንከለና) ፈላሊና ነድምጾም፣


share








   5m
 
 

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ግንቦት 2024)


ኣብ ምዕራባዊ ሲድኒ ዝርከብ ካውንስል ፡ ብዛዕባ ሓደ ጾታ ዘለዎም ወለዲ ዝምልከት ትሕዝቶ ዘለዎ መጽሓፍ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ኣብያተ መጻሕፍቲ ኣጊዱ። በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ (ECTA) ካብ 8 ሓምለ 2023 ዝጀመረ ናይ ሎሚ በጀት ዓመት ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ ብሰደድ ናይ 835.2 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ገይሩ። ሰራዊት እስራኤል ንኣፍደገ ራፋሕ ቓዛ ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ።


share








   6m
 
 

ምምእራር ቓንጥሻ (ማሽሩም) ኣብ ኣውስትራሊያ ዉሑስ ድዩ፧ ብኸመይ፧


ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ቃንጥሻ ዕሶ ወይ ማሽሩም ፍቱው እዩ ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣውስትራሊያ ዝኣተው ስደተኛታት ግን እቲ ኣብዚ ሃገር ዝቕንጠስ ናይ በረኻ ማሽሩም ሓደገኛ ምዃኑ ኣይፈልጡን ይዀኑ ። ንሓደጋ ዘቃልዑ እተፈላለየ ዓይነት ጐዳእቲ ማሽሩም ከይፈለጥካ ምምእራር ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ ፣ ምኽንያቱ ገለ ፋንጋስ እንተ ተበሊዖም መርዛማት ወይ ቀተልቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዩም ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ፤ ኣብ ኣውስትራሊያ ምምእራር ቃንጥሻ ወይ ማሽሩም ድሕነት ዝሕሉን ዝፍቀድን ምዃኑን ብኸመይ ከም ዝርከብን ክንርእይ ኢና።


share








   10m
 
 

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ግንቦት 2024)


ንሎሚ 7 ግንቦት 2024 ዝሓዝናዮም ዜናታት: ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ነቲ ምስ ሓማስ ዝግበር ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምንጻጉ ፡ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ጋዛ ተቐማጦ ራፋ ምላሽ ሂቦም ። ማሕበረሰብ እስላም ምዕራብ ኣውስትራሊያ ምኽፋእ ስም ንምውጋድ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝተሓሓዝን ንክንክን ዝኸውን ገንዘብ ንምምዳብን ተወሳኺ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም ። ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ሱዳን፡ ሰራዊት ህወሓት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ኮይኖም ይወግኡኒ ኣለዉ ንዝበሎ ክሲ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነጺግዎ።


share








   5m
 
 

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ግንቦት 2024)


ንሎሚ ሓሙስ 06 ግንቦት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ንኹሎ በዓል ትንሳኤ ተኽብሩ ዘለኹም ኣመንቲ ክርስትና እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈትሓልኩም። ምስ ሰሙን ሕማማት ኣመልኪትና ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መልበርን ምስ ሓላፊ ስብከተ ወንጌል መጋቤ ሃዲስ ብሩክ ተስፋይ ዝገበርናዮ ጻንሒት ካል ኣይ ክፋሉ ፡ ድሕሪ ዜና ኣብ ናይ ቃለ መህትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ብዘይካዚ ማሰን መልቀስን ከነቕርብ ኢና። ሉኡኽልና ዝሰደደልና ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ሓሙሽተ ኣገልገልቲ ከም ዝተኣሰሩዋ ኣፍሊጣ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤምባሲታት 18 ሃገራት፡ ዘይፍትሓዊ መገዲ ዝተኣስሩ ጋዜጣታት ክፍቴሑ ጸዊዖም። ብተዛማዲ ሓበሬታ ኤርትራ ኣብ ዓመታዊ መስርዕ ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተሓተ መስርዕ ተሰሪዓ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትውን ኣብ ሰዓቱ...


share








   50m
 
 

ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ግንቦት 2024)


ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን በዓል ትንሳኤ ሰንበት 5 ግንቦት ኣብዒሎም። ፖሊስ እስራኤል ነቲ ኣልጀዚራ ከም ቤት ጽሕፈቱ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣብ ሓደ ሆቴል ዝርከብ ክፍሊ ወሪሩ ዓጽይዎ። ኣብ ትግራይ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ናብ ንቡር ይምለስ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።


share








   14m
 
 

ቢንያም ግርማይ፣ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ኣብ ጂሮ ድ'ኢታልያ እንኮ ወከልቲ ኣፍሪቃ ኮይኖም፣ ቀነኒሳ በቀለ ንኦሎምፒክስ ፓሪስ ??


ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (06/05/2024) * ኣብ ጀነቫ፣ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ውድድር ማራቶን ጀነቫ ኤርትራዊ ክብሮም ወልደሚካኤል ተዓዊቱ፣ * ኢትዮጵያዊያን ለሚ ብርሃኑ ሃይለን በዳቱ ሂርፓ ባዳነን ኣብ ማራቶን ፕራግ ተዓዊቶም፣ * ቀነኒሳ በቀለን ሲሳይ ለማን ዝርከብዎም ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ማራቶን ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ዝሳተፉ ሽዱሽተ ኣትሌታት ተመሪጾም፣ * ሸውዓተ ኣትሌታት ንጋንታ ኦሎምፒክስ ስደተኛታት ኣብ ውድድራት ኣትከቲክስ ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ክሳተፉ ተመሪጾም፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ቤኒን ብዓወት ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ ባይክ ኤይድ ኣብ ምድብ ነጥቢ ተዛዚሙ፣ * ኣብ ቅ/ብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ኸኣ ቢንያም ግርማይ፣ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ንኣፍሪቃ ወኪሎም ይሳተፉ’ለዉ፣ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ...


share








   10m
 
 

ኤርትራ ኣብ ዓመታዊ መስርዕ ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተሓተ ተርታ ተሰሪዓ።


ሉኡኽልና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ናብ ንቡር ይምለስ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ሓሙሽተ ኣገልገልቲ ከም ዝተኣሰሩዋ ኣፍሊጣ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤምባሲታት 18 ሃገራት፡ ዘይፍትሓዊ መገዲ ዝተኣስሩ ጋዜጣታት ክፍቴሑ ጸዊዖም።


share








   6m