SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast/sbs-tigrinya

Eine durchschnittliche Folge dieses Podcasts dauert 10m. Bisher sind 2627 Folge(n) erschienen. .

Gesamtlänge aller Episoden: 26 days 5 hours

subscribe
share






"ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ንዝበደሉና'ውን ይቕረ ክንብል'ዩ ዝገብረና።" ቆሞስ ገብረሚካኤል ዮሃንስ


ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ጾመ ኣርብዓን ሓማማትን ክጾሙ ድሕሪ ምውራሕ ሎሚ በዓል ትንሳኤ የብዕሉ ኣለዉ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዋና ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ቆሞስ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ዝሃብዎ መልእኽቲ።


share








   16m
 
 

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ግንቦት 2024)


ንሎሚ ሓሙስ 02 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ብምኽንያት እዚ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝጸምዎ ዘለዉ ሰሙን ሕማማት ኣመልኪትና ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መልበርን ምስ ሓላፊ ስብከተ ወንጌል መጋቤ ሃዲስ ብሩክ ተስፋይ ዝገበርናዮ ጻንሒት ፡ ድሕሪ ዜና ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ናይ ብሕቲ ኢንሹራንስ ጥዕና የዋጽእ ዶ፧ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ከነቕርብ ኢና። ሉኡኽልና ዝሰደደልና ብዛዕባ ጉዳይ ደቡብ ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2016 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ። ዝብል እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራልያ ኣብ 2020 ክልተ ህንዳውያን ሰለይቲ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ምስ ተፈልጠ ፡ ኣውስትራሊያ ብናይ...


share








   57m
 
 

ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ግንቦት 2024)


ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራልያ ኣብ 2020 ክልተ ህንዳውያን ሰለይቲ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ምስ ተፈልጠ ፡ ኣውስትራሊያ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ምትእትታው ኣብ ስግኣት ከም ዘላ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ገሊጹ። ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ፡ እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ናይ ምፍታሕ መስርሕ ፡ ቀዳምነት ከም ዝህቦ ገሊጹ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።


share








   14m
 
 

ጉዳይ ደ/ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ም/ትግራይ ድማ ክሳብ ሰነ 2016 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)


ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ተቓዊማ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም። ጉዳይ ደቡብ ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2016 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ። ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ካዝናኡ ሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ንጉሓል ዝተገበረ ፈተነ ከም ዘፍሸሎ ኣፍሊጡ።ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና፡


share








   6m
 
 

መዓልታት ሕማማትን ተግባራትን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምስ መጋቤ ሃዲስ ብሩክ ተስፋይ።


መጋቢ ሓዲስ ብሩክ ተስፋይ ኣብ ሜልበርን ዝርከብ ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተክርስቲያን ሓላፊ ስብከተ ወንጌል እዮም። ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ሰሙን ሕማማት ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ጸሎትን ስግደትን መዓልታት ዝምልከት ትርጉምን ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝፍጸሙ ስርዓታትን ገሊጾም ኣለዉ።


share








   24m
 
 

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ግንቦት 2024)


ንሎሚ 1 ግንቦት 2024 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ፡ እስራኤል ንራፋ ከይትወርራ ኣጠንቂቑ። ነቶም ብምኽንያት ስድራቤታዊ ዓመጽ ካብ ገዛኦም ዝወጹ ንምሕጋዝ፡ ፈደራል መንግስቲ ናይ ብዓመጽ ዝወጹ ፕሮግራም ከቕውም እዩ። ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ኣስታት 170 ሰባት ሞይቶም።


share








   4m
 
 

ናይ ብሕቲ ኢንሹራንስ የዋጽእ ዶ፧ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)


ኣውስትራሊያውያን ጽፉፍን ብቑዕን ዝኾነ ኣገልግሎት ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና ብምርካብ ካብ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ካብ ዘለዉ ህዝብታት ዉሑዳት ዕድለኛታት ዝኾኑ እዮም ። ብተወሳኺ ናይ ግሊ ሓለዋ ጥዕና ውሕስና ኢንሹራንስ ምኽፋል መማረጺ ኣሎ ፤ እዚ ኣማራጺ ናብ ሆስፒታላትን ክኢላታትን ከይድካ ኣገልገሎት ንምርካብ ዝሓጸረ ናይ ምጽባይ ዕድልን ኣማራጽታትን ዝህበካ እዩ ። 55 ካብ ሚእቲ ኣውስትራሊያውያን ናብ ምዉል ክንክን ጥዕና ወይ health fund, ክጽንበሩ ይመርጹ ፤ እዚ ምስ ኩነታትካ ዝሰማማዕ እንተ ኾይኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ጠቓሚ እዩ ።


share








   10m
 
 

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2024)


ንሎሚ 30 ሚያዝያ 2024 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኣብ ኣውስትራሊያ ቁጽሪ ብምጻምደን ዝቕተላ ኣንስትዮ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዛይዱ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ ረድኤት፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ዝህቦ ረድኤት ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ። ራፋኤል ናዳል ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዙር ማድሪድ ን ኣርጀንቲናዊ ፔድሮ ካኪን ስዒርዎ ።


share








   6m
 
 

"In the history of Eritrea; People didn’t do for Eritreans." Michela Wrong


During her trip to Australia, Michela Wrong, a respected author known for her perceptive analyses of African countries such as Eritrea and Rwanda, engaged in a discussion with SBS Tigrinya. She illuminated the themes explored in her book "I Didn't Do It for You," particularly delving into the complex political environment of Eritrea. Additionally, she highlighted the burgeoning presence of young Eritrean movements dedicated to instigating transformation within the nation.


share








   15m
 
 

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2024)


ንሎሚ ሰኑይ 29 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ካብቲ ኵሎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድምጾም ዚህቡሉ ዝጀመሩ ናይ ፈለማ ደሞክራስያዊ ምርጫ ፡ መበል 30 ዓመት ትጽምበል ኣላ ። እታ ሃገር ካልእ ምርጫ ንምግባር ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ግን ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድራር ዕለቶም ንምርካብ ኣብ ዝጽገምሉ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ነዚ ዝምልከት ሃጺር ጸብጻብ ኣለና ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ሕብረት ኣፍሪቃ መግለጺኡ ክእርም ዝጠልብ መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን በይና ዝሓረሰት ሓንቲ ኤርትራዊ ስደተኛ መንግስቲ ፖላንድ ካብ ዶብ ከም ዘይመለሳ ገሊፁ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ተዅሲ...


share








   53m